ንህጹጽ መልቀቒ
ርክብ፡ Cynthia Santana/Communications Manager
206-256-5219
cynthia.santana@seattle.gov
ካብ 1 ጥሪ 2025 ጀሚሩ፣ ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሰ መሰላት ምቁራጽ ሰራሕተኛታት ዝምልከት ትእዛዝ ሲያትል ንሰራሕተኛታት ሓለዋታት ክህብ እዩ
ስያትል, ዋሽንግተን (WA) – (11 ታሕሳስ 2024) – ስያትል Office of Labor Standards (OLS) እቲ ናይ ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሰ ትእዛዝ መሰላት ምቁራጽ ሰራሕተኛታት ካብ ጥሪ 1፣ 2025 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ኣፍሊጡ። እቲ ሕጊ ንዝተወሰኑ ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሱ ሰራሕተኛታት (ሓድሓደ ግዜ ሰራሕተኛታት ጊግ ተባሂሎም ዝጽውዑ) ዝሽፍን ኮይኑ፣ ሽፋን ንዝግበረሎም ሰራሕተኛታት ሓያሎ ምስ ምቁራጽ ዝተኣሳሰሩ መሰላትን ሓለዋታትን ይህብ።
ካብ 1 ጥሪ 2025 ጀሚሩ፣ እቲ ናይ ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሰ ትእዛዝ መሰላት ምቁራጽ ሰራሕተኛ፣ ነቲ ኣብ መተገበሪ ዝተመርኮሰ ሰራሕተኛ፣ካብቲ ኣታዊ ዝረኽበሎም መተግበሪታት ካብ ምጥቃም ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ካብ ምዕጻው፡ ወይ “ምቁራጽ” ይከላኸለሉ። ምቁራጽ ማለት ሓደ ሰራሕተኛ ናይ ሓደ መርበብ ኩባንያ ኣገልግሎት ናይ ምፍጻም ዓቕሙ ብቐዋሚ ወይ ግዝያዊ ምዕጻው ማለት እዩ።
ኣብ መንጎ 1 ጥሪ 2025ን ግንቦት 31፣ 2027ን፣ OLS ውሱን ናይ ምትግባር ስልጣን ኣለዎ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ OLS ሓደ መርበብ ሓበሬታ ኩባንያ ቀሪቡ ድዩ ኣይቀረበን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ክምርምር ይኽእል፡
- ናይ መሰላት ምልክታ፤
- ናይ ምቁራጽ ፖሊሲ፤
- ነቲ ምእላይ ዘረጋግጹ መርትዖታት፤
- እቲ ሰራሕተኛ ነቲ ምቁራጽ ክብደሃሉ ዝኽእል ኣገባብ፤ ከምኡውን
- ቅድሚን ድሕሪን ነቲ ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሰ ሰራሕተኛ ምቁራጽ ዘድሊ ስጉምትታት ስዒቡ።
OLS ክሳብ 1 ሰነ 2027 ሓደ ናይ መርበብ ኩባንያ ንሓደ ሰራሕተኛ ብዝፍቀድ ምኽንያት ኣቋሪጽዎ ድዩ ኣየቋረጾን ክምርምር ኣይፍቀደሉን እዩ። ኣብ ዝኾነ እዋን፡ OLS ንሕነ ምፍዳይ ዝምልከት ጉዳያት ክምርምር ይኽእል።
“ከተማ ሲያትል ዳግማይ ኣብ ምሕላው ሰራሕተኛታትን ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሰ መሰላት ሰራሕተኛታትን ኣብታ ሃገር ትመርሕ ኣላ። ካብ 1 ጥሪ ጀሚሩ፣ ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሱ ሰራሕተኛታት፣ ምኽንያታት ምቁራጾም፣ ነቲ ውሳነ ክገብራ መርበብ ኩባንያታት ዝተጠቐማሉ ሓበሬታ፣ ከምኡ’ውን ነቲ ምቁራጽ ንምምካት ዘድሊ መስርሕ ክርድኡ መሰል ክህልዎም’ዩ” ይብል ናይ OLS ዳይረክተር Steven Marchese። “OLS ንኹሉ ሰብ ብመሰረት እዚ ሓድሽ ሕጊ መሰላቶምን ሓላፍነቶምን ንኽሕበር ንኽልቲኦም ሰራሕተኛታትን መርበብ ኩባንያታትን ምብጻሕን ትምህርትን ንምሃብ ብተወፋይነት ይሰርሕ ኣሎ።”
ዝያዳ ሓበሬታን ጸጋታትን ብዛዕባ መተግበሪ-መሰረት ዝገበረ ሰራሕተኛ ምቁራጽ መሰላት ትእዛዝ ከምኡ’ውን ካልኦት ናይ ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሰ ሕግታት ሰራሕተኛታት ሓዊሱ ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሰ ሰራሕተኛ ዝኽፈል ሕሙምን ውሑስ ግዜን ከምኡ’ውን ናይ ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሰ ሰራሕተኛ ትእዛዝ ዝተሓተ ክፍሊት ፣ ብኽብረትኩም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ OLS ኣብ መተግበሪ ዝተሞርከሰ ሰራሕተኛ ትእዛዝ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ። ንሕቶታት ብ206-256-5297 ደውሉ ወይ ኢመይል ናብ laborstandards@seattle.govስደዱ።
- ሓገዝ ንመርበብ ኩባንያታት፦ ንናይ ሲያትል መዐቀኒታት ዕዮ ንምኽባር ነጻን ምስጢራውን ሓገዝ ንምርካብ፡ ብ206-256-5297 ደዉሉ፣ ብኢሜይል business.laborstandards@seattle.gov ወይ ብኢንተርነት ናይ መሕተቲ ቅጥዒ ንምምላእ ኣብዚ ጠዉቕ።
- ነቶም ኣብ መተግበሪ መሰረት ዝገበሩ ሰራሕተኛታትን ንህዝብን ዚኸውን ሓገዝ፦ ሕቶ ንምሕታት፣ ጥርዓን ንምቕራብ፣ ወይ ሓበሬታ ንምሃብ፣ ብ206-256-5297 ደውሉ፣ ኢ-መይል ናብ workers.laborstandards@seattle.gov፣ ስደዱ ወይ ብኢንተርነት ናይ መርበብ ሓበሬታ ቅጥዒ ንምምላእ ኣብዚ ጠውቕ።