ንሕጹጽ መልቐቒ
ርክብ፦ Cynthia Santana/ኣካያዲት ርክባት
206-256-5219
cynthia.santana@seattle.gov
ቤት ጽሕፈት ደረጃታት ዕዮ ሲያትል ነቲ ኣብ ሲያትል ዝነበረ ናይ 2024 ታሕተዋይ ደሞዝ ኣፍለጠ
ሲያትል፡ WA – (ጥቅምቲ 16, 2023) – ቤት ጽሕፈት ደረጃታት ዕዮ ሲያትል (OLS, Seattle Office of Labor Standards) ኣብ ልዕሊ ዝተሓተ ደሞዝ ሲያትል ወሰኽ ከምዝገብር ኣፍሊጡ፡ እዚ ድማ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ 1, 2024 ዓ.ም. ዓመታዊ ወሰኽ ዝተሓተ ክወሃብ ዘለዎ ደሞዝ ይጥለብ ብ ሕጊ ዝተሓተ ክወሃብ ዘለዎ ደሞዝ (Minimum Wage Ordinance)። እቲ ዝተሓተ ክወሃብ ዘለዎ ደሞዝ ኣብ ግብሪ ይውዕል ናይቲ ሰብ ኩነታት ስደቱ ብዘየገድስ። እዚ ወሰኽ ዝተሓተ ደሞዝ፡ ኣብ መዐቀኒ ዋጋታት ተጠቀምቲ (CPI) ዝተመርኮሰ መጠን ዝቕባበ ዋጋ ንከባቢ ሲያትል ታኮማ ቤልቪው ዘንጸባርቕ ክኸውን እዩ።
- ናይ 2024 ዝተሓተ ደሞዝ ንዓበይቲ ኣስራሕቲ (501 ወይ ልዕሊኡ ሰራሕተኛታት) $19.97/ሰዓት እዩ።
- ናይ 2024 እቲ ዝተሓተ ክውሃብ ዝግብኦ ደሞዝ ኣብ ኣስራሕቲ ውሑዳት ሰራሕተኛታት (500 ወይ ትሕቲኡ ሰራሕተኛታት) ናይ ሰራሕተኛኦም ሕክምናዊ ረብሓ ብውሑዱ $2.72/ሰዓት ዘይከፍሉ ከምኡ’ውን/ወይ እቲ ሰራሕተኛ ብውሑዱ $2.72/ሰዓት ብሞቕሽሽ (ቲፕ) ዘየእቱ ምስዝኾውን፡ $19.97/ሰዓት ኢዩ።
- ናይ 2024 እቲ ዝተሓተ ክውሃብ ዝግብኦ ደሞዝ ኣብ ኣስራሕቲ ውሑዳት ሰራሕተኛታት ናይ ሰራሕተኛኦም ሕክምናዊ ረብሓ ብውሑዱ $2.72/ሰዓት ዝኸፍሉ ከምኡ’ውን/ወይ እቲ ሰራሕተኛ ብውሑዱ $2.72/ሰዓት ብሞቕሽሽ (ቲፕ) ዘእቱ ምስዝኾውን፡ $17.25/ሰዓት ኢዩ።
“ሲያትል ሓደ ካብቶም ዝለዓሉ ዝተሓተ ደሞዝ እታ ሃገር ኣለዋ – ሰራሕተኛታት ዝነብሩላን ዝስስኑላን ከተማ ንምፍጣር ንጹር ተወፋይነት ኣለዋ” ይብል ከንቲባ Bruce Harrell። “ንሰራሕተኛታት ዝድግፉ ፖሊሲታትን መደባትን ከነስጉምን ሲያትል ንመሰላት ሰራሕተኛታት ዕርዲ ኮይና ክትቅጽል ከነረጋግጽን ኢና።”
እቲ ሕጊ ዝተሓተ ክወሃብ ዘለዎ ደሞዝ ነቶም ኣብ ውሽጢ ደረት ከተማ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ዝተሓተ ክውሃብ ዝግብኦ ደሞዝ ይውስን። “ኣብ ሲያትል ናይቶም ብዙሓት ሰራሕተኛታት ዘስርሑ ኣስራሕቲ ዝተሓተ ክህብዎ ዝግብኦም ደሞዝ $18.69/ሰዓት ኢዩ፡ እዚ ግን ናይ ሰራሕተኛኦም ሕክምናዊ ረብሓ ብውሑዱ $2.19/ሰዓት ዘይከፍሉ ምስዝኾኑ’ዩ ከምኡ/ወይ እቲ ሰራሕተኛ ብውሑዱ $2.19/ሰዓት ብምቖሽሽ (ቲፕ) ዘየእቱ ምስዝኾውን ኢዩ።” ንኣሽቱ ኣስራሕቲ $2.19/ሰዓት ብሕክምናዊ ሓገዛት ዝኸፍሉን/ወይ ድማ እቲ ሰራሕተኛ እንተወሓደ $2.19/ሰዓት ካብ ቲፕ ዝረኽበሉን ኣብዚ እዋን እዚ $16.50/ሰዓት ይኸፍሉ።
OLS ብዛዕባ ን 2024 ናይ ሸቕሊ መዐቀኒታት ሓበሬታ ዝሓዘ እተዋጽአ ፖስተር ናብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሲያትል ንግዲ ፍቓድ ንዝሓዙ ስራሕ ክትልኽእ እያ። ቅዳሓት ናይቲ ናይ ስራሕ ቦታ ፖስተር ብእንግሊዝኛን ትርጉማት ናብ ካልኦት 29 ቋንቋታትን ኣብ ቀረባ እዋን ክቐርብ እዩ። ኣብቲ OLS ወብ ሳይት ዚርከብ ብዛዕባ ናይ ሸቕሊ መዐቀኒታት ሲያትል ዚገልጽ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ OLS እትበሃል ጋዜጣ ኽትኣቱ ትኽእል ኢኻ።
- ሓገዝ ንንግዳዊ ትካላት፦ ምስቲ ኣብ ሲያትል ዘሎ ዝተሓተ ደሞዝን ካልእ ናይ ሸቕሊ መዐቀኒታትን ተሰማሚዕካ ንምምልላስ ብናጻን ብብሕትን ክትሕግዝ እንተ ደሊኻ 206-256-5297 ደዉል፣ ኢሜይል business.laborstandards@seattle.gov ወይ ኣብዚ ጠዉቕ ብኢንተርነት ናይ ፍቓድ ፎርም ንምምላእ።
- ንሰራሕተኛታትን ንህዝብን ዚኸውን ሓገዝ፦ ሕቶ ንምሕታት ጥርዓን ንምምዝጋብ ወይ ሓበሬታ፣ ንምሃብ 206-256-5297 ኢ-መይል workers.laborstandards@seattle.gov፣ ወይ ኣብዚ ጠውቕ ብኢንተርነት ናይ ዌብ ፎርም ንምምላእ።
####