seattle.gov logoSeattle

  • Services & Information
  • Elected Officials
  • Departments
  • Visiting Seattle
  • News
  • Back toSeattle.gov
  • Seattle.gov
    • Elected Officials
    • Services & Information
      • Animals and Pets
        • Animals and Pets 2
          • Animals and Pets3
      • Arts and Culture
      • Building and Construction
      • Business and Economic Development
      • City Administration
      • City Jobs
      • City Planning and Development
      • Court Services
      • Education, Schools and Learning
      • Environment and Sustainability
      • Grants and Funding
      • Housing, Health and Human Services
      • Neighborhood Services
      • Parks, Recreation and Attractions
      • Police, Fire and Public Safety
      • Streets, Parking and Transportation
      • Technology
      • Utilities
      • Volunteering and Participating
    • Departments
    • Boards & Commissions
    • Visiting Seattle
      • Points of Interest
    • Business in Seattle
    • Skip to main content

    News.seattle.gov

    News from the City of Seattle

    Categories

    ቤት ጽሕፈት ደረጃታት ዕዮ ሲያትል ነቲ ኣብ ሲያትል ዝነበረ ናይ 2024 ታሕተዋይ ደሞዝ ኣፍለጠ

    10/16/2023

    ንሕጹጽ መልቐቒ

    ርክብ፦ Cynthia Santana/ኣካያዲት ርክባት
    206-256-5219
    cynthia.santana@seattle.gov

    ቤት ጽሕፈት ደረጃታት ዕዮ ሲያትል ነቲ ኣብ ሲያትል ዝነበረ ናይ 2024 ታሕተዋይ ደሞዝ ኣፍለጠ

    ሲያትል፡ WA – (ጥቅምቲ 16, 2023) – ቤት ጽሕፈት ደረጃታት ዕዮ ሲያትል (OLS, Seattle Office of Labor Standards) ኣብ ልዕሊ ዝተሓተ ደሞዝ ሲያትል ወሰኽ ከምዝገብር ኣፍሊጡ፡ እዚ ድማ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ 1, 2024 ዓ.ም. ዓመታዊ ወሰኽ ዝተሓተ ክወሃብ ዘለዎ ደሞዝ ይጥለብ ብ ሕጊ ዝተሓተ ክወሃብ ዘለዎ ደሞዝ (Minimum Wage Ordinance)። እቲ ዝተሓተ ክወሃብ ዘለዎ ደሞዝ ኣብ ግብሪ ይውዕል ናይቲ ሰብ ኩነታት ስደቱ ብዘየገድስ። እዚ ወሰኽ ዝተሓተ ደሞዝ፡ ኣብ መዐቀኒ ዋጋታት ተጠቀምቲ (CPI) ዝተመርኮሰ መጠን ዝቕባበ ዋጋ ንከባቢ ሲያትል ታኮማ ቤልቪው ዘንጸባርቕ ክኸውን እዩ።

    • ናይ 2024 ዝተሓተ ደሞዝ ንዓበይቲ ኣስራሕቲ (501 ወይ ልዕሊኡ ሰራሕተኛታት) $19.97/ሰዓት እዩ።
    • ናይ 2024 እቲ ዝተሓተ ክውሃብ ዝግብኦ ደሞዝ ኣብ ኣስራሕቲ ውሑዳት ሰራሕተኛታት (500 ወይ ትሕቲኡ ሰራሕተኛታት) ናይ ሰራሕተኛኦም ሕክምናዊ ረብሓ ብውሑዱ $2.72/ሰዓት ዘይከፍሉ ከምኡ’ውን/ወይ እቲ ሰራሕተኛ ብውሑዱ $2.72/ሰዓት ብሞቕሽሽ (ቲፕ) ዘየእቱ ምስዝኾውን፡ $19.97/ሰዓት ኢዩ።
    • ናይ 2024 እቲ ዝተሓተ ክውሃብ ዝግብኦ ደሞዝ ኣብ ኣስራሕቲ ውሑዳት ሰራሕተኛታት ናይ ሰራሕተኛኦም ሕክምናዊ ረብሓ ብውሑዱ $2.72/ሰዓት ዝኸፍሉ ከምኡ’ውን/ወይ እቲ ሰራሕተኛ ብውሑዱ $2.72/ሰዓት ብሞቕሽሽ (ቲፕ) ዘእቱ ምስዝኾውን፡ $17.25/ሰዓት ኢዩ።

    “ሲያትል ሓደ ካብቶም ዝለዓሉ ዝተሓተ ደሞዝ እታ ሃገር ኣለዋ – ሰራሕተኛታት ዝነብሩላን ዝስስኑላን ከተማ ንምፍጣር ንጹር ተወፋይነት ኣለዋ” ይብል ከንቲባ Bruce Harrell። “ንሰራሕተኛታት ዝድግፉ ፖሊሲታትን መደባትን ከነስጉምን ሲያትል ንመሰላት ሰራሕተኛታት ዕርዲ ኮይና ክትቅጽል ከነረጋግጽን ኢና።” 

    እቲ ሕጊ ዝተሓተ ክወሃብ ዘለዎ ደሞዝ ነቶም ኣብ ውሽጢ ደረት ከተማ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ዝተሓተ ክውሃብ ዝግብኦ ደሞዝ ይውስን። “ኣብ ሲያትል ናይቶም ብዙሓት ሰራሕተኛታት ዘስርሑ ኣስራሕቲ ዝተሓተ ክህብዎ ዝግብኦም ደሞዝ $18.69/ሰዓት ኢዩ፡ እዚ ግን ናይ ሰራሕተኛኦም ሕክምናዊ ረብሓ ብውሑዱ $2.19/ሰዓት ዘይከፍሉ ምስዝኾኑ’ዩ ከምኡ/ወይ እቲ ሰራሕተኛ ብውሑዱ $2.19/ሰዓት ብምቖሽሽ (ቲፕ) ዘየእቱ ምስዝኾውን ኢዩ።” ንኣሽቱ ኣስራሕቲ $2.19/ሰዓት ብሕክምናዊ ሓገዛት ዝኸፍሉን/ወይ ድማ እቲ ሰራሕተኛ እንተወሓደ $2.19/ሰዓት ካብ ቲፕ ዝረኽበሉን ኣብዚ እዋን እዚ $16.50/ሰዓት ይኸፍሉ።

    OLS ብዛዕባ ን 2024 ናይ ሸቕሊ መዐቀኒታት ሓበሬታ ዝሓዘ እተዋጽአ ፖስተር ናብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሲያትል ንግዲ ፍቓድ ንዝሓዙ ስራሕ ክትልኽእ እያ። ቅዳሓት ናይቲ ናይ ስራሕ ቦታ ፖስተር ብእንግሊዝኛን ትርጉማት ናብ ካልኦት 29 ቋንቋታትን ኣብ ቀረባ እዋን ክቐርብ እዩ። ኣብቲ OLS ወብ ሳይት ዚርከብ ብዛዕባ ናይ ሸቕሊ መዐቀኒታት ሲያትል ዚገልጽ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ OLS እትበሃል ጋዜጣ ኽትኣቱ ትኽእል ኢኻ።  

    • ሓገዝ ንንግዳዊ ትካላት፦ ምስቲ ኣብ ሲያትል ዘሎ ዝተሓተ ደሞዝን ካልእ ናይ ሸቕሊ መዐቀኒታትን ተሰማሚዕካ ንምምልላስ ብናጻን ብብሕትን ክትሕግዝ እንተ ደሊኻ 206-256-5297 ደዉል፣ ኢሜይል business.laborstandards@seattle.gov ወይ ኣብዚ ጠዉቕ ብኢንተርነት ናይ ፍቓድ ፎርም ንምምላእ።
    • ንሰራሕተኛታትን ንህዝብን ዚኸውን ሓገዝ፦ ሕቶ ንምሕታት ጥርዓን ንምምዝጋብ ወይ ሓበሬታ፣ ንምሃብ 206-256-5297 ኢ-መይል workers.laborstandards@seattle.gov፣ ወይ ኣብዚ ጠውቕ ብኢንተርነት ናይ ዌብ ፎርም ንምምላእ።

    ####

    Office of Labor Standards, Source: Labor Standards

    Filed Under: News Release, Office of Labor Standards Tagged With: Office of Labor Standards, Source: Labor Standards

    Copyright © 2025 · News Pro Theme on Genesis Framework · WordPress · Log in

    News.seattle.gov
    Entries (RSS)
    Blog Use Notice
    Log in
    ADA Notice
    Notice of Nondiscrimination
    Privacy
    © 1995- 2025 City of Seattle