ንሕጹጽ መልቐቒ
ርክብ፦ ሲንትያ ሳንታና/ኣካያዲት ርክባት
206-256-5219
cynthia.santana@seattle.gov
Office of Labor Standards ነቲ ኣብ ሲያትል ዝነበረ ናይ 2023 ታሕተዋይ ደሞዝ ኣፍለጠ
ሲያትል፡ ዋሽንግተን – (ጥቕምቲ 4, 2022) – The Seattle Office of Labor Standards (OLS)(ቤት-ጽሕፈት ደረጃታት ዕዮ ሲያትል) ይእውጅ ወሰኽ ኣብቲ ዝተሓተ ክወሃብ ዘለዎ ደሞዝ ዝጅምር ካብ ጥሪ 1, 2023። ዓመታዊ ወሰኽ ዝተሓተ ክወሃብ ዘለዎ ደሞዝ ይጥለብ ብ Minimum Wage Ordinance (ሕጊ ዝተሓተ ክወሃብ ዘለዎ ደሞዝ)። እቲ ዝተሓተ ክወሃብ ዘለዎ ደሞዝ ኣብ ግብሪ ይውዕል ናይቲ ሰብ ኩነታት ስደቱ ብዘየገድስ። እቲ ወሰኽ ዝተሓተ ክውሃብ ዝግብኦ ደሞዝ ከንጸባረቕ ኢዩ መጠን ዝቕባበ ብምምርኳስ ኣብ Consumer Price Index (CPI) (ኢንዴክስ ዋጋ ኣህለኽቲ) ናይ ከባቢ ሲያትል ታኮማ ብረመርቶን።
- ናይ 2023 እቲ ዝተሓተ ክውሃብ ዝግብኦ ደሞዝ ኣብ ኣስራሕቲ ብዙሓት ሰራሕተኛታት (501 ወይ ዝያዳ ሰራሕተኛታት) $18.69/ሰዓት ኢዩ።
- ናይ 2023 እቲ ዝተሓተ ክውሃብ ዝግብኦ ደሞዝ ኣብ ኣስራሕቲ ውሑዳት ሰራሕተኛታት (500 ወይ ትሕቲኡ ሰራሕተኛታት) ናይ ሰራሕተኛኦም ሕክምናዊ ረብሓ ብውሑዱ $2.19/ሰዓት ዘይከፍሉ ከምኡ’ውን/ወይ እቲ ሰራሕተኛ ብውሑዱ $2.19/ሰዓት ብሞቕሽሽ (ቲፕ) ዘየእቱ ምስዝኾውን፡ $18.69/ሰዓት ኢዩ።
- ናይ 2023 እቲ ዝተሓተ ክውሃብ ዝግብኦ ደሞዝ ኣብ ኣስራሕቲ ውሑዳት ሰራሕተኛታት ናይ ሰራሕተኛኦም ሕክምናዊ ረብሓ ብውሑዱ $2.19/ሰዓት ዝኸፍሉ ከምኡ’ውን/ወይ እቲ ሰራሕተኛ ብውሑዱ $2.19/ሰዓት ብሞቕሽሽ (ቲፕ) ዘእቱ ምስዝኾውን፡ $16.50/ሰዓት ኢዩ።
እቲ Minimum Wage Ordinance ነቶም ኣብ ውሽጢ ደረት ከተማ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ዝተሓተ ክውሃብ ዝግብኦ ደሞዝ ይውስን። “ኣብ ሲያትል ናይቶም ብዙሓት ሰራሕተኛታት ዘስርሑ ኣስራሕቲ ዝተሓተ ክህብዎ ዝግብኦም ደሞዝ $17.27/ሰዓት ኢዩ፡ እዚ ግን ናይ ሰራሕተኛኦም ሕክምናዊ ረብሓ ብውሑዱ $1.52/ሰዓት ዘይከፍሉ ምስዝኾኑ’ዩ ከምኡ/ወይ እቲ ሰራሕተኛ ብውሑዱ $1.52/ሰዓት ብምቖሽሽ (ቲፕ) ዘየእቱ ምስዝኾውን ኢዩ።” ኣስራሕቲ ውሑዳት ሰራሕተኛታት ኮይኖም ናይ ሰራሕተኛኦም ሕክምናዊ ረብሓ ብውሑዱ $1.52/ሰዓት ዝኸፍሉ ምስዝኾኑ ከምኡ’ውን/ወይ እቲ ሰራሕተኛ ብውሑዱ $1.52/ሰዓት ብምቖሽሽ (ቲፕ) ዘእቱ ምስዝኾውን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን $15.75/ሰዓት ይኸፍሉ።
OLS ብዛዕባ ን 2023 ናይ ሸቕሊ መዐቀኒታት ሓበሬታ ዝሓዘ እተዋጽአ ፖስተር ናብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሲያትል ንግዲ ፍቓድ ንዝሓዙ ስራሕ ክትልኽእ እያ። ናይ ስራሕ ፖስተር ቅዳሓት (ብእንግሊዝኛ) ንከተዉርድዎ ኣብ OLS ወብሳይት ይርከብ። ናብ 25 ቋንቋታት እተተርጐመ ፖስተራት ኣብ ኢንተርነት ኣብ OLS ናይ ቛንቋ ወብፔጅ ይርከብ።
ኣብቲ OLS ወብ ሳይት ዚርከብ ብዛዕባ ናይ ሸቕሊ መዐቀኒታት ሲያትል ዚገልጽ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ OLS እትበሃል ጋዜጣ ኽትኣቱ ትኽእል ኢኻ።
- ሓገዝ ንንግዳዊ ትካላት፦ ምስቲ ኣብ ሲያትል ዘሎ ዝተሓተ ደሞዝን ካልእ ናይ ሸቕሊ መዐቀኒታትን ተሰማሚዕካ ንምምልላስ ብናጻን ብብሕትን ክትሕግዝ እንተ ደሊኻ 206-256-5297 ደዉል፣ ኢሜይል business.laborstandards@seattle.gov ወይ ኣብዚ ጠዉቕ ብኢንተርነት ናይ ፍቓድ ፎርም ንምምላእ።
- ንሰራሕተኛታትን ንህዝብን ዚኸውን ሓገዝ፦ ሕቶ ንምሕታት ጥርዓን ንምምዝጋብ ወይ ሓበሬታ፣ ንምሃብ 206-256-5297 ኢ-መይል workers.laborstandards@seattle.gov፣ ወይ ኣብዚ ጠውቕ ብኢንተርነት ናይ ዌብ ፎርም ንምምላእ።
####