ውጽኢታዊ ጃንዋሪ 1፣ 2022 – ኣብቲ ንሰራሕተኛታትን ሰራሕተኛታት ቤትን ዝኽፈሎ ዝተሓተ ደሞዝ ከምኡውን ኣብቲ ትሑት ካሕሳ ዝኽፈሎ ኩባንያ መጓዓዝያ እተገብረ ሓድሽ ምትዕርራይ
ንሕጹጽ መልቐቒ
ርክብ፦ Cynthia Santana/ኣካያዲ መራኸቢታት
206-256-5219
cynthia.santana@seattle.gov
Office of Labor Standards ነቲ ኣብ ሲያትል ዝነበረ ናይ 2022 ታሕተዋይ ደሞዝ ኣፍለጠ
ውጽኢታዊ ጃንዋሪ 1፣ 2022 – ኣብቲ ንሰራሕተኛታትን ሰራሕተኛታት ቤትን ዝኽፈሎ ዝተሓተ ደሞዝ ከምኡውን ኣብቲ ትሑት ካሕሳ ዝኽፈሎ ኩባንያ መጓዓዝያ እተገብረ ሓድሽ ምትዕርራይ
Seattle፣ WA – (ኦክቶበር 18፣ 2021) – እቲ ቤት ጽሕፈት ናይ ሸቃሎ መዐቀኒታት ሲያትል (OLS፣ Seattle Office of Labor Standards) ካብ 1 ጃንዋሪ 2022 ነቲ ኣብ ሲያትል ዘሎ ዝተሓተ ደሞዝ ከም ዝወሰኸን ከምኡውን ኣብ ኩባንያ መራኸቢ መጓዓዝያ (TNC) ዝወሓደ ካሕሳ ማኪና ምትዕርራይ ከም ዘድሊን ሓበረ።
ወሰኽ ናይ ዝተሓተ ደሞዝ በቲ ትሑት ደሞዝ መምርሒ (Minimum Wage Ordinance) ዝብል እዩ ዝሕተት። እቲ ዝተሓተ ደሞዝ ናይ ሰራሕተኛታት ኩነታት ኢሚግሬሽን ብዘየገድስ ኣብ ስያትል ንዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ዝምልከት እዩ።
- ን ዓበይቲ ኣስራሕቲ ናይ 2022 ዝትሓተ ደሞዞም (501 ወይ ብዙሓት ሰራሕተኛታት) ኣብ ሰዓት $17.27 ኢዩ።
- ን ናኣሽቱ ኣስራሕቲ ናይ 2022 ዝትሓተ ደሞዞም (500 ወይ ካብዚ ዝዉሓዱ ሰራሕተኛታት) ንሕክምናዊ ረብሓታት ናይቲ ሰራሕተኛ እንተ ወሓደ $1.52 ኣብ ሰዓት ዘይከፍሉ ከምኡዉን/ወይ እቲ ሰራሕተኛ ብ መልክዕ መቝሽሽ እንተ ወሓደ $1.52 ኣብ ሰዓት ዘየእቱ እንተ ዀይኑ ኣብ ሰዓት $17.27 እዩ።
- ን ናኣሽቱ ኣስራሕቲ ናይ 2022 ዝትሓተ ደሞዞም ንናይ ሰራሕተኛታት ሕክምናዊ ጥቕምታት እንተ ወሓደ $1.52 ኣብ ሰዓት ዚኸፍሉ ከምኡዉን/ወይ እቲ ሰራሕተኛ እንተ ወሓደ $1.52 ኣብ ሰዓት ብመልክዕ መቝሽሽ ዚረኽበሉ ቦታ ኣብ ሰዓት $15.75 እዩ።
OLS ብዛዕባ ን 2022 ናይ ሸቕሊ መዐቀኒታት ሓበሬታ ዝሓዘ እተዋጽአ ፖስተር ናብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ሲያትል ንግዲ ፍቓድ ንዝሓዙ ስራሕ ክትልኽእ እያ። ናይ ስራሕ ፖስተር ቅዳሓት (ብእንግሊዝኛ) ንከተዉርድዎ ኣብ OLS ወብሳይት ይርከብ። ናብ 19 ቋንቋታት እተተርጐመ ፖስተራት ኣብ ኢንተርነት ኣብ OLS ናይ ቛንቋ ወብፔጅ ይርከብ።
OLS ክግበሩ ዘለዎም ምምዕርራያት ዝተሓተ ካሕሳ ኣብ ሓደ ማይል ናይ ኩባንያ መራኸቢ መጓዓዝያ (TNC) መራሒ መኪና ከምኡውን ናይ ነፍሲ ወከፍ ጕዕዞ ዝወሓደ መጠን፣ ብመሰረት ኮድ ምምሕዳር ከተማ ሲያትል 14.33 ከም እተገብረ ይእውጅ። እዚ ሕጊ እዚ ብ 1 ጃኑዋሪ 2021 ኪዕየየሉ ጀመረ፣ ከምኡዉን TNCs ከም ኡበርን ሊፍትን ዝኣመሰላ ክፍሊት እንተወድሓ ኣብ ሓደ ደቒቕ ከምኡዉን ኣብ ሓደ ማይል ምስቲ ኣብ ሲያትል ዝርከብ ዓበይቲ ኣስራሒ ዝተሓተ ደሞዝ ከምኡውን ምስቲ ርትዓዊ ወጻኢታት ዝኽፈሎ ካሕሳ ተወሲኽዎ ዝመጣጠን ክፍሊት ክህብ ይሕተት። እዚ ሕጊ እዚ ነቶም ኣብ ሴትል ንዘለዉ ናይ TNC ኣገልግሎት ዝህቡ መራሕቲ መካይን TNC ናይ ስደተኛ ኩነታቶም ብዘይገድስ ይምልከቶም እዩ።
ካብ 1 ጃኑዋሪ 2022 ጀሚሩ፣ TNC ዝልዓለ ናይ ሓደ ማይል ዝዉሓደ ዓቐን 1.38$ ከምኡዉን ኣብ ደቒቕ 0.59$፣ ወይ ኣብ ኵሉ ጕዕዞታት ንሓደ ጉዕዞ 5.17$፣ ብተወሳኺ እቲ ዓማዊል ወይ TNC ነቲ ጕዕዞ እንተ ሰሪዝዎ ኪኸፍል ኣለዎ። OLS እቲ ሓድሽ ገምጋም ኣብ 1 ጃኑዋሪ 2022 ቅድሚ ምቛሙ ነቲ ዘሎ ሃብቲ ከመሓይሾን ተወሳኺ ሓበሬታ ኽህብን ኢዩ።
ብዘይካዚ ካብ 1 ጥሪ 2022 ጀሚሩ፣ እቶም ብናይ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ሕጊ (DOW፣ Domestic Workers Ordinance) ንዝሸፈነ ሰራሕተኛ ገዛ ዝሰርሑ ወይ ዝኸፍሉ ሰባት ነቲ ኣብ 2022 ዝወጸ ሞዴል መዘኻኸሪ መሰላትን ሓበሬታ ክፍሊት (2022 Model Notice of Rights and Pay Information) ንሰራሕተኛኦም ክዕድልዎ ይተባብዑ እዮም እዚ ከኣ እቲ ሰራሕተኛ በቲ ዝጥቀመሉ ቛንቋ ኣዝዩ ምሹእ እዩ። እዚ ናይ ሞዴል ምልክታ እዚ ኣብ OLS ዚብሃል ወይብሳይት ብእንግሊዝኛን፣ ብስጳንኛን፣ ብኻልእ ቋንቋታትን ይርከብ እዩ። OLS ዓመታዊ ነቲ ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ሕጊ ምዉሳኽ ናይ ዝተሓተ ደሞዝ ን ናይ ቤት ሰራሕተኛታት ዚእውዶ ንዝዉስኽ ንምንጽብራቕ መመልከቻ የሐድሶ እዩ። በጃኹም ናይ ገዛ ሰራሕተኛታት ሕጊ ወብፔጅ እዚ DWO መዘኻኸሪ መሰላት(Notice of Rights) ዳውንሎድ ንምግባር ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ሕጊ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ።
ኣብቲ OLS ወብ ሳይት ዚርከብ ብዛዕባ ናይ ሸቕሊ መዐቀኒታት ሲያትል ዚገልጽ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብታ OLS እትበሃል ጋዜጣ ኽትኣቱ ትኽእል ኢኻ።
- ሓገዝ ንንግዳዊ ትካላት፦ ምስቲ ኣብ ሲያትል ዘሎ ዝተሓተ ደሞዝን ካልእ ናይ ሸቕሊ መዐቀኒታትን ተሰማሚዕካ ንምምልላስ ብናጻን ብብሕትን ክትሕግዝ እንተ ደሊኻ 206-256-5297 ደዉል፣ ኢሜይል business.laborstandards@seattle.gov፣ ወይ ኣብዚ ጠዉቕ ብኢንተርነት ናይ ፍቓድ ፎርም ንምምላእ።
- ንሰራሕተኛታትን ንህዝብን ዚኸውን ሓገዝ፦ ሕቶ ንምሕታት ጥርዓን ንምምዝጋብ ወይ ሓበሬታ፣ ንምሃብ 206-256-5297 ኢ-መይል workers.laborstandards@seattle.gov፣ ወይ ኣብዚ ጠውቕ ብኢንተርነት ናይ ዌብ ፎርም ንምምላእ።
####