ንህጹጽ መልቀቒ
ርክብ፡ Cynthia Santana/Communications Manager
206-256-5219
cynthia.santana@seattle.gov
ናይ ሲያትል ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሰ ናይ ሰራሕተኛ ምቁራጽ መሰላት[CS1] ትእዛዝ ፣ሓድሽ ናይ ሰራሕተኛታት ሓለዋታት ይህብ
ካብ 1 ጥሪ 2025 ጀሚሩ ተግባሪዊ ይኽውን
ስያትል, ዋሽንግተን (WA) – (6 ጥሪ 2025) – ስያትል Office of Labor Standards (OLS) እቲ ናይ ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሰ ትእዛዝ መሰላት ምቁራጽ ሰራሕተኛታት ካብ ጥሪ 1፣ 2025 ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ከምዝውዓለ ኣፍሊጡ። እቲ ሕጊ ንዝተወሰኑ ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሱ ሰራሕተኛታት (ሓድሓደ ግዜ ሰራሕተኛታት ጊግ ተባሂሎም ዝጽውዑ) ዝሽፍን ኮይኑ፣ ሽፋን ንዝግበረሎም ሰራሕተኛታት ሓያሎ ምስ ምቁራጽ ዝተኣሳሰሩ መሰላትን ሓለዋታትን ይህብ።
ካብ 1 ጥሪ 2025 ጀሚሩ፣ እቲ ናይ ኣብ መተብበሪ ዝተመርኮሰ ትእዛዝ መሰላት ምቁራጽ ሰራሕተኛ፣ ነቲ ኣብ መተገበሪ ዝተመርኮሰ ሰራሕተኛ፣ ካብቲ ኣታዊ ዝረኽበሎም መተግበሪታት ካብ ምጥቃም ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ካብ ምዕጻው፡ ወይ “ምዕጻው” ይከላኸለሉ። ምቁራጽ ማለት ሓደ ሰራሕተኛ ናይ ሓደ መርበብ ኩባንያ ኣገልግሎት ናይ ምፍጻም ዓቕሙ ብቐዋሚ ወይ ግዝያዊ ምዕጻው ማለት እዩ።
ኣብ መንጎ 1 ጥሪ 2025ን ግንቦት 31፣ 2027ን፣ OLS ውሱን ናይ ምትግባር ስልጣን ኣለዎ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ OLS ሓደ መርበብ ሓበሬታ ኩባንያ ቀሪቡ ድዩ ኣይቀረበን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ክምርምር ይኽእል፤
- ናይ መሰላት ምልክታ፤
- ናይ ምቁራጽ ፖሊሲ፤
- ነቲ ምእላይ ዘረጋግጹ መርትዖታት፤
- እቲ ሰራሕተኛ ነቲ ምቁራጽ ክብደሃሉ ዝኽእል ኣገባብ፤ ከምኡውን
- ቅድሚን ድሕሪን ነቲ ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሰ ሰራሕተኛ ምቁራጽ ዘድሊ ስጉምትታት ስዒቡ።
OLS ክሳብ 1 ሰነ 2027 ሓደ ናይ መርበብ ኩባንያ ንሓደ ሰራሕተኛ ብዝፍቀድ ምኽንያት ኣቋሪጽዎ ድዩ ኣየቋረጾን ክምርምር ኣይፍቀደሉን እዩ። ኣብ ዝኾነ እዋን፡ OLS ንሕነ ምፍዳይ ዝምልከት ጉዳያት ክምርምር ይኽእል።
“ሲያትል ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሱ ሰራሕተኛታት ካብ ዘይምኽንያታዊ ምቁራጽ ዝከላኸል ሕጊ ኣብ ምሕላፍ ኣብ ሙሉእ ሃገር ቀዳመይቲ እያ። ሕጂ ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሱ ሰራሕተኛታት ስለምንታይ ከም ዝተኣልዩ፣ እቲ ናይ መርበብ ኩባንያ ውሳነኡ ንምውሳን እንታይ ሓበሬታ ከም ዝተጠቕመን ነቲ ምቁራጽ ብኸመይ ከም ዝምክትዎን ክፈልጡ መሰል ኣለዎም፣ እዚ ድማ ዝያዳ ምርግጋእን ውሕስነት ስራሕን ይፈጥር” ይብል ናይ OLS ዳይረክተር Steven Marchese። “OLS ንኽልቲኦም ሰራሕተኛታትን መርበብ ኩባንያታትን ኩሉ ሰብ ብመሰረት ናይ መተግበሪ-መሰረት ዝገበረ ሰራሕተኛ ትእዛዝ መሰላት ምቁራጽ መሰላቶምን ሓላፍነቶምን ምሉእ ብምሉእ ከምዝፈልጥ ንምርግጋጽ ምብጻሕ ትምህርትን ጸጋታትን ክህብ እዩ።”
ዝያዳ ሓበሬታን ጸጋታትን ብዛዕባ መተግበሪ-መሰረት ዝገበረ ሰራሕተኛ ምቁራጽ መሰላት ትእዛዝ ከምኡ’ውን ካልኦት ናይ ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሰ ሕግታት ሰራሕተኛታት ሓዊሱ ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሰ ሰራሕተኛ ዝኽፈል ሕሙምን ውሑስ ግዜን ከምኡ’ውን ናይ ኣብ መተግበሪ ዝተመርኮሰ ሰራሕተኛ ትእዛዝ ዝተሓተ ክፍሊት ፣ ብኽብረትኩም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይ OLS ኣብ መተግበሪ ዝተሞርከሰ ሰራሕተኛ ትእዛዝ ንምርካብ ኣብዚ ጠውቑ።ንሕቶታት፣ ብ206-256-5297 ደውሉ ወይ ኢመይል ናብ laborstandards@seattle.govስደዱ።
- ሓገዝ ንመርበብ ኩባንያታት፦ ንናይ ሲያትል መዐቀኒታት ዕዮ ንምኽባር ነጻን ምስጢራውን ሓገዝ ንምርካብ፡ ብ206-256-5297 ደዉሉ፣ ብኢሜይል business.laborstandards@seattle.gov ወይ ብኢንተርነት ናይ መሕተቲ ቅጥዒ ንምምላእ ኣብዚ ጠዉቕ።
- ነቶም ኣብ መተግበሪ መሰረት ዝገበሩ ሰራሕተኛታትን ንህዝብን ዚኸውን ሓገዝ፦ ሕቶ ንምሕታት፣ ጥርዓን ንምቕራብ፣ ወይ ሓበሬታ ንምሃብ፣ ብ206-256-5297 ደውሉ፣ ኢ-መይል ናብ workers.laborstandards@seattle.gov፣ ስደዱ ወይ ብኢንተርነት ናይ መርበብ ሓበሬታ ቅጥዒ ንምምላእ ኣብዚ ጠውቕ።
###